Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሶማሊ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 14 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም – ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሊ ጅግጅጋ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ 14 ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሶማሊያ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብብቕዓት እናተዋፀአ ብዝርከብ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተደጋጋሚ ስዕረትን ክሳራን ዝበፅሖ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ÷ ኣባላት ብሐቡእ ብምምልማልን ብምውዳብን ኣብ ክል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልልን መጠቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ብምፍፃም ልዑል ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣታት ንምብፃሕ ትልሚ ኣውፂ ንምንቅስቓስ ይፈትን እምበር ሽርሑ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝፈሸለ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትንንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ ብሕቡእ ወዲቡን ልኡኽቶ ብመሃብን ዝለኣኾም 14 ኣባላት እቲ ጉጅለ ንኽጥቀሙሎም ምስ ዘሰናድኡዎም ተቐፃፀልቲ ናውቲን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ብዶብ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብምሽላኽ ናብ ክልል ሶማሌ ዘሊቖም ብምእታው ኣብ ከተማ ጅግጅጋን ካልኦት ከተማታት እቲ ክልልን ከምኡ እውን ከባቢታት ዒላማታት ብምፍላይ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ትልሚ ኣውፂም እናተንቀሳቐሱ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከምዝኾነ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ክውዕሉ ካብ ሞንጎ ዝተገበሩ ተጠርጠርቲ ዓሊ ዓብዲ ብቕፅል ሽሙ መዓሊን ዓሊ እናተብሃለ ዝፍለጥ መራሒን መተሓባበሪን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ÷ መቐመጢኡ ሶማሊያ ምስ ዝገበረ ክንፊ ኣልሸባብ ርክብ ብምፍጣር ኣብ ክልል ሶማሌ ብምዃ ኣባላት ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ብምውዳብ፣ ብምርኻብ፣ ብምምልማል፣ ትልሚ ግብረ ራዕዲ ብምሕንፃፅን ዒላማታት ብምፍላይን መጥቃዕቲታት ክፍፀሙ ሓገዛት ስልጣናን ሎጀስቲክስ እናገበረ እናሃለወ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ክትትል ምስ ካልኦት 13 ተሓባበርቱ ብመእተዊ ኬላ ከተማ ሞያሌ ኣቢሉ ሸሊኹ ንምውፃእ እንትፍትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ መግለፂ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ኣመልኪቱ፡፡

ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንኽፍፀሙ ምውፋር ዝሃበሎም ከባቢታት ኣብ ክልል ሶማሌ ጅግጅጋ፣ ፊቅ፣ ዋርዴርን ቢኬ ከምዝነበረ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ሕቡእ ውዳበ ብምፍጣር ልኡኽቶ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ዝተንቀሳቐሱ ተጠርጠርቲ ንመጥቃዕቲታት ግብረ ራዕዲ ክጥቀሙሎም ዘሰናድኡዎም ብዙሓት መሳርሒታት ክላሽንኮቭ፣ ጠያይቲ፣ ሽጉጣት፣ ቡምባታት፣ ተቐፃፀልቲ ናውቲታትን ዝተፈላለዩ ሰነዳትን ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዞባ ሲቲ ወረዳ ምኤሶ፣ ዞባ ፋፋን ከተማ ጅግጅጋ ከባቢኣን፣ ዞባ ዶሎ ከተማ ዋርደርን ከባቢኣን፣ ዞባ ቆራሄ ወረዳ ህግሎሌን ዞባ ኤረር ከተማ ፊቅን ብዘካየዶ ተኸታታሊ ኦፕሬሽኖችን ስራሕቲ ዳህሳስን እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንመጥቃዕቲ ከውዕሎም ዝነበሩ 84 ክላሽንኮቭ መሳርሒታት፣ 10 ናይ ጉጅለ መሳርሒታትን 12 ሽጉጣትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝተበረ ገሊፁ።

ብፍላይ ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያ ዒላማ ዝገበሮ እኩይ ሽርሒ ግብረ ራዕዲን መጥቃዕቲን ንምዕዋት ንጥረ ነገራት መቐመሚ ፈንጂ ብሕቡእ ብዝወደቦም ዋሕዮታት ኣቢሉ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዶብ ኢትዮጵያ ናብ ደቡብ ሶማሊያ ኣብ ምጉዕዓዝ እናሃለወ ኣብ ዞባ ኤረር ወረዳ ጋሻሞ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝተገበረ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ሽርሒታት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንኽፍሽሉ÷ መንግስቲ ክልል ሶማሌ፣ ውዳበ ፀፅታን ህዝቢ እቲ ክልልን ንዝገበሩዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.