Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 4 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ኣርባዕተ ሰባት ምሕላፉ ኮሚሽን ፖሊስን ቢሮ ትራንስፖርትን ልምዓት መገዲን እቲ ክልል ኣፍሊጦም።

ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ዳይሬክተር ክፍሊ ትራፊክ ኮማንደር ከበደ ኬኔራ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ካብ ሃዋሳ ኣብ ቀረባ ርሕቐት ኣብ ትርከብ ከተማ ሃዌላ፤ ብተለምዶ ዶልፊንን ቅጥቅጥን ተባሂለን ዝፅዋዓ ህዝቢ ዘመላልሳ ተሽከርከርቲ ብምግጫወን ኢዩ፡፡

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ቢሮ ትራንስፖርትን ልምዓት መገዲን ክልል ሲዳማ ደስታ ዳንቾ ብግደኦም÷ ናይ ክልተ ሰባት ህይወት ሽዑ ንሽዑ እንትሓልፍ ክልተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ምስ በፅሑ ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ሓሚሽተ ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐን ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ሃዋሳ ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝርከብን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍን ጌታቸው ሙለታን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.