ኣብ ክልል ሲዳማ ምስ ግዕዙይ ኣሰራርሓ ብዝተዛመደ 25 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ኣብ ዝተሳለጠ ገምጋም ምስ ግዕዙይ ኣሰራርሓን ስርቂን ብዝተዛመደ 25 ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።
ብተወሳኺ 10 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝተልዓሉ ተገሊፁ።
ኣብቲ ክልል ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስትን ውድብን 2015 ዓ.ምን ትልሚ 2016 ዓ.ምን ተሳሊጡ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ጥዕና፣ ትምህርቲን ካልኦት ልምዓታትን እወንታዊ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም።
ዘዐንቅፉ ኩነታት ብምልላይን ብምቅላስን ስራሕቲ ነህዝቢ ተበፃሒ ንምግባር ሀዝቢ ዝጎድኡ ተግባራት ነፂርካ ብምውፃእ ዝተቓለስናሉ መድረኽ ኢዩ ኢሎም።
ካብቲ መድረኽ ቅድሚ ምምፃእ ካብ ህዝቢ ሓበሬታ ከምዝተኣከበ ብምግላፅ፥ እዚ ድማ ጥፍኣትቨ ዝፈፀሙ ኣካላት ንምፍላይን ንምቅላስን ከምዝሓገዘ ኣብሪሆም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ልዑል ስርቂን ግዕዙይ ኣሰራርሓን ከምዝተርኣየ ተዛሪቦም።
እቲ ገምጋማዊ መድረኽ ኣብ ዝሳለጠሉ ዝነበረ እዋን ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ ዓሊሞም ኣቋሪፆም ዝወፅኡ ወልቀ ሰባት ከምዘለዉ ሓቢሮም።
በዝተገበረ ምፅራይ 97 ሰባት ምስ እታዎታት ዘበናዊ ዱኽዒ ብዝተዛመደ ናብ ሕጊ ንክቐርቡ ይስራሕ ከምዘሎ መዝራቦም ካብ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓነጨበሬታ የረድእ።