Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ ዝካየድ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ምድላው ተገይሩ ኢዩ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ፅባሕ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ምድላው ምግባሩ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሃረሪ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ እቲ ክልል ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ንምስራሕ ዘኽእል ኮማንድ ፖስት ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝተኣተወ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ነስሪ ዘካሪያ ገሊፆም፡፡

ቅድመ መረፃ፣ መዓልቲ መረፃን ድሕሪ መረፃን ብዘይ ዝኾነ ይኹ ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሕብረተሰብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ስግኣት ድምፁ ክህብ ከምዝኸእል ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር፥ ብፍላይ መንእሰይ ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሉን ኣጠራጠርቲ ዝኾኑ ነገራት እንትዕዘብ ንሓይሊታት ፀፅታ ንኽሕብር ፀዊዖም።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.