ኣብ ክልል ሃረሪ ወፍሪ “ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ” ተጀሚሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ መርሃ ግብሪ ምጅማር ወፍሪ “ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ” ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ።
ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦዲን በድሪ እቲ ወፍሪ ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን፥ ኢትዮጵያ ንምፍራስ እናተንቀሳቐሰ ዝርከብ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራን ክልል ዓፋርን ልዑል ጉድኣት እናብፀሐ ይርከብ።
ብዙሓት መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ነዚ ሓቂ ንደሓር ብምባል ዝተዛብዐ ሓበሬታ እናቕረባ ምድንጋር ንምፍጣር ይፅዕራ ኣለዋ ዝበሉ እቶም ርእሰ መምሕዳር፥ “ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ” ሓቀኛ ሓበሬታ ሓበሬታ ኢትዮጵያ ብምግላፅ ሽርሒ ምፍራስ ሃገር እቲ ግብረ ራዕዲ ህዝቢ ዓለም ንኽፈልጦ ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ኢዩ ኢሎም፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ መልእኽቲ እቲ ወፍሪ ተቐቢሎም ግቡእ ምላሽ ክህቡ ኢዮም ኢሎም ከምዘኣምኑ ምግላፆም እውን ካብ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ሃረሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።