Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ሃረሪ ንጥፍኣት እንትዳለዉ ዝነበሩ 17 ተጠርጠርቲ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ካልኦት ናውቲን ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ወረዳ ሃኪም ንጥፍኣት እንትዳለዉ ዝነበሩ 17 ተጠርጠርቲ ምስ ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ካልኦት ናውቲን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ምክትል ኣዛዚ እቲ ቤት ፅሕፈት ኮማንደር ናስር ከዲር ከምዝበልዎ፥ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብምውፃእ ምስ ሓይሊ ፀፅታ፣ ምምሕዳር እታ ወረዳ፣ ኣመራርሓ ንኡስ ቀበሌ፣ ሕብረተሰብን ብምዃን ኣብ መንበሪ እቶም 15 ተጠርጠርቲ ብዝተገበረ ተፍቲሽ ብዙሓት መሳርሒ ኲናት ተታሒዞም።

መነፅር ኲናት፣ መራኸቢ ራዲዮ፣ ፎቶ ካሜራ፣ ናውቲታት መትሓዚ መሳርሒ ኲናት፣ ኣስታት 20 ዝኾኑ ሲምካርዲታት፣ ኣብ እዋን ኲናት ናይ መጀመሪያ ሕክምና ንምሃብ ዘኽእሉ ናውቲታት ምስ እቶም ተጠርጠርቲን ልኡኻት ግብረ ራዕዲን ከምዝተትሓዙ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ታሴራታት፣ ቼክን ደፍተርን ባንኪታት፣  ላፕቶፓት፣ መምሃሪ መፃሕፍቲ ኲናትን ካልኦት ናውቲታትን ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኮማንደር ናስር ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.