Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ን6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታ ሓገዝ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ን6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዜጋታ ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሰብኣዊ ሓገዛት ከምዝተገበረ ኮሚቴ ሚኒስትራት ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝገምገመ እንትኸውን÷ ብሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን 6 ነጥቢ 9 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛት እናተገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ሰለስተ ዘፈራት ትኹት ብምግባር እናተሰርሑ ከምዝኾነ ዝገለፁ ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዱኣም÷ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን መሰረታዊ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ትካላት ህዝቢ ናይ ምጅማር ስራሕቲ ተጠናኺሮም እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብዘመን በየነ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.