Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝራእቲ የጥቅዕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ዝራእቲ እናጥቀዐ ምዃኑ ተገሊፁ።

እቲ ወራር ዕስለ ኣምበጣ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ወረዳታት ራያ ጨርጨር፣ ራያ ኣላማጣ፣ ራያ ዓዘቦን ከምዝተርኣየ ተገሊፁ ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ዝተርኣየ ዕስለ ኣምበጣ ብባህላዊ መገዲ ንምክልኻል ፃሪ አእናተገበረ ከምዝኾነ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ስለዝኾነ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ ኣካላት ፀፅታ፣ ደገፍቲ ዝተፈላለያ ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ፣ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ስራሕቲ ምክልኻል እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባታት ሰሜንን ደቡብን ወሎ ዝተወለዐ ዕሰለ ኣምበጣ እውን ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ጉድኣት እናብፀሐ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ወሎ ወረዳ ወረባቦ ዝተርኣየ ወራር ዕስለ ኣምበጣ፥ መጠን እቲ ዘብፀሖ ጉድኣት ልዑል ከምዝኾነ ሓረስቶት ተዛሪቦም።

ኣብቲ ወረዳ ዝተርኣየ ዕስለ 24 ሺሕ ሄክታር ዝኸውን መሬት ከምዝወረረ ዝሓበረ መምርሒ ሕርሻ እቲ ዞባ ብግድኡ፥ ኣብ 11 ጣቢያታት እቲ ወረዳ ዝርከቡ ዝራእቲ ካብ 10 ክሳብ 100 ሚኢታዊ ጉድኣት ከምዝበፅም ኣፍሊጡ።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ንምክልኻል ህዝቢ ብምትሕብባርን ናይ ኣረጊት መኪና ጎማ ካብ ከተማ ብምምፃእ ትኪ ብምትካኽ ብባህላዊ መገዲ ንምክልኻል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ኤመሓኣ ፀብፂቡ።

መጠን እቲ ዕስለ ካብ እዋን ናብ እን እናወሰኸ ብምምፅኡ ኣብ ውፅኢታውነት ስራሕቲ ምክልኻል ዕንቅፋት ከምዝፈጠረሉ እውን ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.