Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ዝግበሩ ድርድራት ንኹሎም ወገናት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ስምምዓት ምቱኳር ይግባእ – ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ዝግበሩ ድርድራት ንኹሎም ወገናት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ስምምዓት ምቱኳር ከምዝግባእ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።

ትካል ጉዳያት ስትራቴጂ ኣብ ዘሰናድኦ ወርሓዊ ሴሚናር “ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ እናተገበሩ ዝርከቡ ድርድራት” ትኹረት ብምግባር ተኻይዱ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ እቲ ዝግበር ዘሎ ድርድር፣ ዝህልዎ ረብሓን ኣብ ዙርያ እቲ ግድብ ምስ ሱዳንን ግብፂን ኣናተገበረ ዝርከብ ድርድርን ዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ተርባይናት ግድብ ህዳሰ ካብ 16 ናብ 13 ክንከዩ ምግባሩ ስዒቡ እቲ ግድብ 5 ሺሕን 150 ሜጋ ዋት ሓይሊ ከምዘፍልፍል ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ እዚ ድማ ክሳብ 210 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ንምንካይ ዘኽእል ምዃኑ ኣብሪሆም።

ምድንጓይ ህንፀት እቲ ግድብ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ዓቕሚ ውሽጢ ዓዲ ንምምዕባል ብዝብል ስራሕቲ ኤሌክትሮ ሜካኒካል ንሜቴክ ክወሃብ ምግባሩ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ብዙሕ ዋጋ ክትከፍል ከምዝገበረ ገሊፆም።

ሳይንስ ምህንድስናን ሰናይ ድሌትን ዝተፈላለዩ ምዃኖም እውን ኣብሆም።

ምስ ሱዳንን ግብፂን እናተገበረ ዝርከብ ድርድር ብዝምልከት ድማ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንታሕተዎት ተፋሰስ ሃገራት ልዑል ረብሓ ዝገብር ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብምዃኑ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ዝግበሩ ድርድራት ንኹሎም ወገናት ተረባሕቲ ኣብ ዝገብሩ ስምምዓት ምቱኳር ኣድላዪ ምዃኑ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዝሓበሩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተኻፈሉ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ሰብ ሞያታት እቲ ዓውዲን ፅንዓት ዘካይዱን ኣካላት፥ ኩነታት እቲ ግድብን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ምስ ሱዳንን ግብፂን እናተገበረ ዝርከብ ድርድርን ኣድሂቦም ሕቶታትን ርኢቶታትን ብምቕራብ ተዛትዮም ኢዮም።

ኣብቲ ምድረኽ ዝተረኸቡ ካብ ጉጅለ ተደራደርቲ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ጌዲዮን ኣስፋው፣ ኣይተ ተፈራ በየነን ዋና መካየዲ ስራሕ እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮን ድማ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.