Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ብኣደራዳሪነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ዘተ ንክቕፅል ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብኣደራዳሪነት ሕብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ሰለስቲኣዊ ዘተ ንክቕፅል ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢኒርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ሚኒስትር ማይን መስኖን ሱዳን ፕሮፌሰር ያሲር ኣባስ ተዛቲዮም።

ከልቲኦም መራሕቲ ኣብ ሰለስቲኣዊ ከይዲ ድርድር ከምዝተዛተዩ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ እቲ ዝተጀመረ ድርድር ንክቕፅል ከምዝወሰኑ ተሓቢሩ።

ከምኡ ውን ጉጅለ ሰብ ሞያ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ከይዲ እቲ ድርድር ልዑል ግደ ንክህልዎ እውን ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢኒርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ምዝታዮም መራኸብቲ ሓፋሽ እታ ሃገር ፀብፂበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.