Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬኒያ ዘጋጠመ ናዕቢ ንኽሃድእ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፓርላማ ኬኒያ ዘፅደቖ ናይ ታክስ ሕጊ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ዝተወለዐ ናዕቢን ዕግርግርን ንኽሃድእ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ፀዊዖም፡፡

እቶም ኣቦ መንበር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅኡዎ መግለፂ÷ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኬኒያ ሕጊ ታክስ ምኽንያት ብንግባር ዝተፈጠረ ህዝባዊ ተቓውሞ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ነቲጉዳይ ብቕርበት እናተኸታተሎ ምፅንሑ ኣልዒሎም፡፡

በቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ህይወት ሰብ ምጥፍኡን ንብረት ምዕናዉን ብምፅራሕ÷ ዘጋጠመ ናዕቢ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሰላምን ድሕንነትን ኬኒያን ንምሕላው ካብ ናዕቢ ናብ ዝርርብ ምምፃእ ኣድላዪ ከምዝኾነ እቶም ኣቦ መንበር ኣገንዚቦም፡፡

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ብተመሳሳሊ÷ ኣብ ኬኒያ ብዝተልዓለ ህዝባዊ ተቓውሞ ምኽንያት ብዘጋጠመ ሕልፈት ህይወት ሰባትን ዕንወት ንብረትን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም፡፡

ሕጊ ታክስ ምፅዳቑ ስዒቡ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ካብ 18 ሰነ ጀሚሩ ህዝባዊ ተቓውሞ እናተኻየደ ከምዝፀንሐ ዘ ስታር ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.