Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኬኒያ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 17 ተምሃሮ ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኬንያ ኣብ ሓደ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት 17 ተምሃሮ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

እቲ ሓደጋ ኣብ ማእኸላይ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሂል ሳይድ ዘጋጠመ እንትኸውን÷ በቲ ሓደጋ ካብ ሕልፈት 17 ተምሃሮ ብተወሳኺ 14 ተምሃሮ ጉድኣት ከምዝበፅሖም ተሓቢሩ፡፡

ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወት እቲ ሓደጋ ንምክልኻል ርብርብ እናገበሩ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ዊሊያም ሩቶ ምኽንያት እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ተፃሪዩ ጥፍኣተኛ ዝኾኑ ኣካላት ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ ሓቲቶመ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ኬንያ ካብ ቀረባ ዓመታት ንደሓር ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ተኸታታሊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እናጋጠሙ እንትኾኑ÷ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2001 ጀሚሮም ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ልዕሊ 70 ተምሃሮ ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሬውተርስ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.