Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካዛኪስታን ብዝበፅሐ ሓደጋ ነፋሪት ብውሑዱ 14 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካዛኪስታ 98 ተሳፈርቲ ፅዒና እትጎዓዝ ዝነበረት ነፋሪት ብምውዳቓ ብውሑዱ 14 ሰባት ከም ዝሞቱ ሰብመዚ’ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

እታ ንብረት መገዲ-ኣየር “በክ” ዝኾነት ነፋሪት፥ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣልማቲ ምስተገበሰት

እታ ነፋሪት ካብ ከተማ ኣልማቲ ናብ ናብ ርእስ-ከተማ ካዛኪስታን ኑር-ሱልጣን ክትበርር ምስተበገሰት ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ወዲቓ ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ።

ሰብ-መዚ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ፥ እታ ነፋሪት 93 ተሳፈርትን 5 ሰራሕተኛታትን ሒዛ ከምዝነበረት ገሊፆም።

ህፃናት ሓዊሱ ብውሕዱ 60 ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሖም እውን ተገሊፁ።

ሮይተርስ ከምዝሓበሮ፥ እታ ነፋሪት ክትበርር እንከላ እቲ ከባቢ ብግመ ተሸፊኑ ነይሩ።

ስለዝኾነ ብውሑዱ 14 ሰባት ህይወቶም ከምዝስኣኑ ተገሊፁ።

ሰብ-መዚ እቲ መዕረፎ ነፈርቲ፥ ዝደሓኑ ሰባት ከምዘለው ገሊፆም።

እታ ነፋሪት ኣብ ልዕሊ ክልተ ደርቢ ዘለዎ ህንፃ ዝወደቐት እንትትከውን፥ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ የለን።

ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ክሳብ ሐዚ ኣይተገልፀን።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.