Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካናዳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ልዑል ሰደድ ሓዊ ፍርቂ ክፋል ከተማ ጃስፐር ዓኒዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካናዳ ብሰንኪ ዘጋጠመ ልዑል ሰደድ ሓዊ ፍርቂ ክፋል ከተማ ጃስፐር ዓኒዩ።

ከተማ ጃስፐር ኣብ ምዕራባዊ ሸነኽ ካናዳ ግዝኣት ኣልበርታ ኣብ ማእኸል ኮረብታዊ ብሄራዊ ፓርክ ጃስፐር እትርከብ ከተማ ኢያ።

እቲ ፓርክን ከተማ ጃስፐርን ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ ልዕሊ 2 ሚሊየን ሃወፅቲ ከምዘተኣናግዳ ተሓቢሩ።

ከም መብርሂ ሰብ መዚ እቲ ከባቢ፥ ኣብ ዝሓለፈ ዕለተ ሰኑይ ብግምት 10 ሺሕ ነበርቲን ልዕሊ 15 ሺሕ ሃወፅቲን ነቲ ሓደጋ ብምስጋእ ካብቲ ከባቢ ንክለቁ ተገይሩ ኣሎ።

እታ ከተማ ካብቲ ሰደድ ሓዊ ዝፍልፍል ትኪን ሓሙኽስቲን ዝተመልአ እንትኸውን፥ በቢሆስፒታሉ ዘለዉ ተሓከምቲ ናይ ምውፃእ ስራሕ ይቕፅል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መራሒ ኣልበርታ ዳንየል ስሚት፥ እቲ ባርዕ ንዝኾነ ይኹን ማሕበረሰብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ሓደጋ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ባርዕ ክሳብ ሐዚ ካብ ቁፅፅር ወፃእ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ከባቢ ካብ 30 ክሳብ 50 ሚኢታዊ ዝኸውን መሰረተ ልምዓት ይዓኒ ከምዘሎ ምግላፆም ዘ ኒው ዴይሊ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.