Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ካናዳና ኣሜሪካ ዝነብሩ ውዳበታት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ክሳብ ልዕሊ 110 ሺሕ ዶላር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካናዳና ኣሜሪካ ዝነብሩ ውዳበታት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ወገናት ኣብ ዘሰናድኡዎ መተኣኻኸቢ ሓገዝ  መርበብ ሓበሬታ ልዕሊ 110 ሺሕ ዶላር ከምዝኣከቡ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ “ዝሓበራ ኣፃብዕቲስ ኣርቃይ የፀምብዓ” ብዝብል መሪሕ ቃል ከምዝኾነ ካብ ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካናዳ ፍፁም ኣረጋ÷ እቲ ሓገዝ ንኽተኣኻኸብ ዘተሓባበሩ ውዳበታት ኢክናስ ካናዳ፣ ፒቱፒን ካልኦት መሓዙት ኣካላትን ኣመስጊኖም፡፡

ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ብምትእኽኻብ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.