Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኪስማዩ ሴክተር ሹዱሽተ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም 5ይ ሞተራይዝድ ሻለቃ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከይፍኑ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኪስማዩ ሴክተር ሹዱሽተ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም 5ይ ሞተራይዝድ ሻለቃ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ከይፍኑ ዘኽእል ስራሕ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ዋና ኣዛዚ እቲ ሻለቃ ኮለኔል ኣሰፋ መኮንን ኣብ ጉዳይ ፀፅታ እቲ ከባቢ ምስ ኣባላት ሻለቃ ዘቲዩ።
“ኣልሸባብ ኣብ ኢትዮጵያን ቀፃሊ መረፃ ሶማሊያን ከየተዓናቕፍ ኣቐዲምካ ብምርዳእን ብምድላውን ግቡእና ብኣግባቡ ክንዋፃእ ይግባእ” ኢሎም፡፡
ምክትል ኣዛዚ ሎጂስቲክስ እቲ ሻለቃ ሌተናል ኮለኔልኣዲሱ መኮንን ብግደኦም፥ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ዞባ ሰላም ንኸዓስል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምዝንጋዕ ጠንኪሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡
ኣብ ቀፃሊ ዝግበሩ መረፃታት መንግስቲ ፌዴራልን ጁባላንድን ንምስላጥ፥ ምድላዎም ብምርግጋፅ ዝተዋደደ ወፍሪ ንምውፃእ ከምዝተዳለዉ እውን ካብ ሚኒስቴር ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታየረድእ፡፡
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.