Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ፍርዲ እናሃለወ ካብ ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌደራል ዘምለጠ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሉ ኣብ ከይዲ ፍርዲ እናሃለወ ካብ ኮሚሽን ቤት ህንፀት ፌደራል ዘምለጠ ኪዳነ ዘካርያስ ኣብ ሱዳን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝፍፀም ተግባር ጭካነን ግፍዒ ዝተመልኦ ኣተሓሕዛን ዝፍለጥ ሓደገኛ ኣዘዋዋሪ ሰባት ኪዳነዘካርያስ ሃብተማርያም÷ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዓለም ለኸ ትካል ሕብረት ፖሊስ (ኢንተርፖል) ኣቢሉ ብዘመሓላለፎ ሓሬታ ኣብ ሱዳን ክተሓዝ ክኢሉ።

እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ዝግበር ዓፈና፣ ዘረፋን ምቕታልን ኣብ ድሕሪቶም ዝርከብ ዓብዪ ትካል ገበነኛ ብምምራሕ ኣብ ኢትዮጵያን ኔዘርላንድስን ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምዝውዋርን ብካልኦት ተተሓሓዝቲ ገበናትን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ጀሚሩ ብክልተ ቀያሕቲ ምልክታታት ኢንተርፖል እናተኣለሸ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ ሞንጎ ኣዘዝቲ ትካል ሕብረት ፖሊስ ምብራቕ ኣፍሪካ፣ ኢንተርፖል፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ሕቡራት ዓረብ ኤሚራት፣ ኔዘርላንድስ፣ ኢሮፖለን ካልኦት መሓዙት ትካላትን ብሓባር ብዘጣየሹዎ ግብረ ሓይሊ ብዝተገበረ ልውውጥ ሓበሬታ ተጠርጣሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ ከምዝርከብ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.