Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ፍርዲ ጥፍኣተኛ ዝተብሃሉ ዳያኑ ስጉምቲ እርማት ከምዝተውሃበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ፍርዲ ጥፍኣተኛ ንዝተብሃሉ ዳያኑ ስጉምቲ እርማት ከምዝወሰደን ናይ ዳያኑ ዓቕምን ክእለትን ንምዕባይ ስልጠና ምውሃቡን ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ፍርዲ ኣይተ ተስፋዬ መለሰ ገሊፆም።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሳልሳይ ማዓልቲ ስሩዕ ኣኼባኡ÷ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኣብያተ ፍርዲ ሰሚዑ።

ካብ ጎኒ ንጎኒ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ን1276 ዝኾኑ ህፃናትን ነፍሰፁራትን ቀዳምነት ኣገልግሎት ከምዝረኽቡ ተሓቢሩ።

ኣብቲ በጀት ዓመት 10 ሚሊዮን 378 ሽሕ ብር ኣታዊ ምግባሩ ኣብቲ ሪፖርት ተገሊፁ።

እቲ ዝተረፈ ሪፖርት ድሕሪ ዘተ ምክያዱ ብሙሉእ ድምፂ ምፅዳቑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.