ኣብ ከይዲ ምትእኽኻብ ዛዕባታት ተሳተፍቲ ዝኾኑ መዳርግቲ ኣካላት ተፈሊዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽና ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንዘካይዶ ዛዕባታት ናይ ምትእኽኻብ ስራሕቲ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ፈልዩ።
እቶም መዳርግቲ ኣካላት በቲ ኮሚሽን ብመሰረት ዝቐርበሎም ፃውዒት ዛዕባ ናይ ምትእኽኻብ ስራሕ ንቑሓት ተሳተፍቲ ንኽኾኑ ሓቲቱ፡፡
እቶም ዝተፈለዩ መዳርግቲ ኣካላት÷ በቢወረድኡ ካብ ዝርከቡ ክፋላት ማሕበረሰብ ዝተመረፁ ተወልቲ፣ ማሐበር መምህራን፣ ሲቪል ማሕበራት፣ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ መስራሕቲ ማሕበራትን ማሕበራት ፌዴሬሽን ሰራሕተኛታትን ኢዮም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ÷ ትካላት ሃይማኖት፣ ማሕበራት ጉዱኣት ኣካል፣ ፍሉጣት ሰባት፣ ማሕበራት ሞያ፣ ቤት ምኽሪ ክልል፣ መንግስቲ ክልል (ኣፈፀምቲ ኣካላት)ን ዳያኑ ክልላትን ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ መዳርግቲ ኣካላት ይርከቡዎም፡፡
ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን ከምዘመላኸቶ÷ ማሕበbር ነበር ሰራዊት (ማሕበር ዝተነከዩ ሰራዊት)፣ ማሕበር ጋዜጠኛታት ክልላት (ማሕበር ትካላት ሚዲያ)፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክልላት፣ መምህራን ዩኒቨርሲቲ፣ ማሕበራት ቤት ምኽሪ ክልላት ዝተፈለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኢዮም፡፡
ዝተፈለዩ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ጉባኤ ቤት ሃገራዊ ምኽክር ክሕንፀፀሎም ዝደልዩዎም ዛዕባታት ንኸቕርቡ ትፅቢት ይግብር ኢሉ እቲ ኮሚሽን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com