Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከከባቢና ንዝርከቡ ነጋዶ ጎንፂ ብሓባር ንከላኸል – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትጵያ ንዝርከቡ ነጋዶ ጎንፂ ብሓባር ንከላኸል ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ኢትዮጵያ ኣድሂቦም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ቅንፀላ ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ስዒቡ ፀሞቕቲ ጎንፂ ብዝወልዕዎ ሁውከት ብዛሓት ወገናት ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም፣ ኣካላት ፀፅታ እውን ተቐቲሎም ኢዮም ኢሎም።

ብኣማኢት ሚሊየናት ዝቑፀር ናይ ውልቀ ሰባት፣ ናይ ህዝቢን መንግስቲን ንብረት ከምዝዓነወ እውን ኣብቲ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።

በቲ ዝተፈጠረ ጎንፂን ዕግርግርን ህይወቶን ንዝሓለፉ ወገናት ሓዘን ከምዝተሰዖም ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ንስድራን ፈተውቲን ግዳያት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

መንግስቲ ምስ ሕብረተሰብ ብምዃን ንዝተጎድኡ ኣካላት እግሪ ንምትካል ከምዝሰርሕ እውን ሓቢሮም። ብተወሳኺ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ምቕራብ ከይዲን ስራሕቲ ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።

ህዝቢ ሓዊ ዝእጉዱ እንመን ከምዝኾኑ፣ እቲ ዝተኣጎደ ሓዊ ዘበኣእሱ እንመን ከምዝኾኑ፣ ኣብ ወሰን ኮይኖም ዝሪኡን በቲ ሓዊ ዝሞቑን ኣካላት እንመን ከምዝኾኑ ፈሊዩ ክፈልጥ ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ብወገን መንግስቲ እዞም ሕቶታት ብንፁር ፈሊዩ ብምምርማርን ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ንምውሳድ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ኣንፀላሊዩ ዘሎ ፀገም ንሓንሳእን ንሓዋሩን ንምውጋድ፥ ወለዲ፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ነናይ ከባቢኡ መራሕቲ ባህሊን ሓሳብን ልዑል ኣስተዋፅኦ ስለዘለዎም ኣበርክቶ ክገብሩ ከምዝግባእ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘውፀእዎ መግለፂ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ ኩሉ ንህዝቢ ዘድሊ ምግባር ከምዝግባእን ኩሉ ሕብረተሰብ ሓይሊታት ጥፍኣት ናብ ፍርዲ ንኽቐርቡ ዝከኣሎ ብምግባር ምስ መኽበርቲ ሕጊ ተሓባቢሩ ብምስራሕ ሰላምን ድሕንነትን ከባቢኡ ንኽሕሉን ድማ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.