Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጎንደር ድሕሪ 12 ሰዓት በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ ምግናሕ ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ 12 ሰዓት በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ ምግናሕ ከምዝተኸልካለ መምርሒ ፖሊስ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ መምርሒ ረዳት ኮሚሽነር ኣየልኝ ታክሎ፥ ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ብጉጅለ ብዝንቀሳቐሱ ሓይሊታት ገበን ምዕጋት ሰብ ይውስኽ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ልዑል ስግኣት ዘብፅሕ ዘሎ ንምቕናስ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ይወስድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብ ከተማ ጎንደር ካብ ሎሚ ጀሚሩ ድሕሪ 12 ሰዓት በዓል ሰለስተ እግሪ ተሽከርከርቲ ምግናሕ ተኸልኪሉ ኣሎ ክብሉ ገሊፆም።

 

ብምናለ ኣየነው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.