Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጎንደር ብልዕሊ 540 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሰርሑ ፕሮጀክታ ተመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ከተማ ጎንደር ብልዕሊ 540 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተሰርሑ ፕሮጀክታ ብርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለን ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ተመሪቖም።

ክልተ በዓል ኮኾብ ሆቴላት፣ ፋብሪካታት ማይን ጁስን ከምዝተመረቑ ተቐዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ኣይተ ዘውዱ ማለደ ተዛሪቦም፡፡

ሰለስቲኦም ፕሮጀክታት ልዕሊ 540 ሚሊየን ብር ገንዘብ ወፃኢ ከምዝተገበረሎም ተገሊፆም።

ኣብ ጎንደር ኣርባዕተ መንደራት ኢንዱስትሪ ሰብ ሃፍቲ እናልምዑ ከምዝኾኑ ዝገለፁ እቶም ከንቲባ፥ ኣብ ከተማ ጎንደር ምቹው ሃዋህው ኢንቨስትመንት ስለዝተፈጠረ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚኒስትር ኢንዱስትሪ ፌዴሪኢ ኣይተ መላኩ ኣለበል ብግደኦም፥ ከተማ ጎንደር ካብ ስግኣት ፀፅታ ወፂኣ ናብ ልምዓት እናተሰጋገረት ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

መንግስቲ ንሰብ ሃፍቲ ምድጋፉ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ኢኮኖሚ ሃገር ንምድንፋዕ ንኽሕግዝ ድማ ዝተፈላለዩ ምምሕያሽ ኣሰራርሓታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ወፍሪ ህልውና ዝርከብ ክልል ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስሩዕ ስራሕ መንግስቲ ከምዘይተመለሰ ዝተዛረቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፥ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ከይጉዳእ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብምናለ ኣየነው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.