Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጋምቤላ ፓርክ ዓድዋ ተሰይሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ዶክትር ሂሩት ካሳውን ፕሬዚዳንት ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፓርክ ዓድዋ ተሰይሙ፡፡

እቲ ፓርክ ዝተሰየመ፥ ኣብቲ ክልል መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ ኣብ ዝተረኸበሉ እዋን ኢዩ፡፡

እቲ በዓል ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ባህላዊ ምርኢታትን ኢዩ ዝኽበር ዘሎ፡፡

መበል 125 በዓል ዓወት ዓድዋ “ዓድዋ ኣርማ ህብረ-ብሄራዊነት” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣብቲ ክብረ በዓል ዝተረኸባ ሚኒስትር ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት፥ “ክልል ጋምቤላ ታሪኻዊ ቦታ ምዃኑ ዘረጋገፅናሉን ንዓድዋ ልዑል ቦታ ከምዝሃበን ዝረኣናሉ ኢዩ” ኢለን፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ክልል ኣይተ ኡሞዱ ኡጁሉ ብግደኦም፥ ዓወት ዓድዋ ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በዓል ዓወት ኮይኑ ንምሕላውን ኩሉ ግዘ ንምሕሳብን ተባሂሉ እቲ ፓርክ ከምዝተሰየመ ተዛሪቦም፡፡

ብፀጋዬ ንጉስ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.