Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ጂንካን ዞባ ጎፋ ከተማ ሳውላን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝኸውን ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጂንካን ዞባ ጎፋ ከተማ ሳውላን ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸውን ሰልፊ ድጋፍ ተኻይዱ።

ኣብ ከተማ ጂንካ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ፥ “ኣብ ልዕሊ መቓብር ጁንታ ምዕባለ፣ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢታት ክልምልም ኢዩ፣ ህብረ-ብሄራዊነት ብምጥንኻር ኣሃዳዊነት ክንቀብር ኢና” ዝብሉ ጭርሖታት ተሰሚዖም፡፡

ኣብ ዞባ ደቡብ ኦሞ ከተማ ጂንካ እቲ ሰልፊ እንትካየድ፥ ሰልምን ፀፅታን እቲ ከባቢ ንምትዕንቓፍ ካብ ዝንቀሳቐሱ ልኡኻት እቲ ጁንታ ህዝቢ ንባዕሉን ከባቢኡን ብንቕሓት ንኽሕሉ መልእኽቲ ተመሓላሊፉ።

ብተመሳሳሊ ዜና ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝኸውን ናይ ድጋፍ ሰልፊ ኣብ ዞባ ጎፋ፣ ከተማ ሳውላን ፍሉይ ወረዳ የም ከተማ ሳጃን ተኻይዱ፡፡

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንዘሃቡዎ ጥንኩር ኣመራርሓ ህዝባዊ ኣፍልጦን ድጋፍን ንምሃብን ኣብ ቀፃሊ ኣብ ጎኖም ምዃኖም ንምግላፅን ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ፓርቲ ብልፅግና ዝረኽብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.