Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝተጎድኡ ወገናት ንምጥያሽ ርብርብ ንኽግበር ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ማእኸል ዕዳጋ ኣሸዋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝተጎድኡ ወገናት ብዘላቕነጽ ንምጥያሽ ተዋዲድካ ርብርብ ንኽግበር ኣይተ ኣደም ፋራህ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ መተሓባበሪ ማእኸል ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኦርዲን በድሪ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ማእኸል ዕዳጋ ኣሸዋ ዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ተመልኪቶም፡፡

ኣይተ ኣደም ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ብዘላቕነት ንምጥያሽ ርብርብ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ነዚ ድማ ብምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ዝተጀመረ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ኩሉ ኣካል ንኽድግፎ ፃዒት ምቕራቦም መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ሃረሪ ፀብፂቡ፡፡

ኣይተ ኦርዲን ብግደኦም ምምሕዳር ድሬዳዋ በቲ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ብዘላቕነት ንምጥያሽ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ መንግስቲ ክልል ሃረሪ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.