ኣብ ከተማ ኣዳማ ከይዲ መረፃ ንምህዋኽ ዝፈተነን ኣብ ጣቢያ መረፃ መሳርሒ ኲናት ብመሓዝ ዝተኸሰሱ ተቐፂዖም
ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዳማ ከይዲ መረፃ ንምህዋኽ ዝፈተነን ኣብ ጣቢያ መረፃ መሳርሒ ኲናት ሒዝካ ብመሓዝ ዝተኸሰሱ ውልቀሰባት ብማእሰርቲን ገንዘብን ተቐፂዖም።
ላዕለዋይ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ኣዳማ ኢንስፔክተር ወርቅነሽ ጋልሜቻ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፀኦ፥ ውልቀ ሰባት ሰላማዊ ዝኾ ከይዲ መረፃ ንምህዋኽ ብገበን ፈተነ ዘይሕጋዊ ማሳርሒ ኲናት ተኸሲሶም ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።
ስንታየሁ ኡርግየ ዝተብሃለ ውለቀሰብ፥ ኣብ ከተማ ኣዳማ ክፍለ ከተማ ኣባ ገዳ ጣቢያ መረፃ ቀበሌ ኦዳ መሳርሒ ኲናት ሒዙ ብምርካቡ ብኣዋጅ ቁፅሪ 1177/2011 ዓ.ም ዝተቐመጠ ክልከላ ብምጥሓስ ገበን ተኸሲሱ ከምዝተቐፅዐ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ጣቢያ መረፃ ሽዱሽተ ንጉሆ 2 ሰዓትን 40ን ከማል ኣብዶ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ድምፂ ዝህብ መሲሉ ናብቲ መውሃቢ ድምፂ ብምእታው ከይዲ መረፃ ንምህዋኽ ፃዕሪ ብምግባሩ ከምዝተቐፅዐ ተዛሪበን።
ኣብ እዋን መረፃ ክህልዉ ዝኽእሉ ገበናት ንምክትታል ዝተጣየሸ መጋባእያ እዋናዊ ጉዳያት ወረዳ ኣዳማ፥ እቶም ውልቀ ሰባት ብማእሰርቲን ገንዘብን ንኽቕፅዑ ውሳነ ከመዘመሓላለፈ ኣፍሊጠን።
ስንታየሁ ዑርግዬ፥ ሓደ ዓመት ማእሰርቲን 5 ሺሕ ብርን ቅፅት ከምዝተበየነሉ ኣብሪሀን።
መረፃ ንምትእጉጓ ዝፈተነ ከማል ኣብዶ ዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ድማ ብሸሞንተ ወርሒ ማእሰርቲ ከምዝተቐፅዐ ኢንስፔክተር ወርቅነሽ ገሊፀብ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።