Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዳማ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓለፍቲ ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዳማ ኣብታ ከተማ ምስ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ዘተ ይግበሩ ኣለዉ።

ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንህልውና ሃገር እንትቃለስ ዝፀንሐ ሃገሩ ዝፎቱ ህዝቢ ከምዝኾነ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና እታ ከተማ ሓላፊ ዓውዲ ፖለቲካ ኣይተ ኣብዱልጀሊል ኣብዱሮ  ተዛሪቦም።

ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ብምዃን ተቓሊሱ ናብ ስልጣን ዝመፅአ እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ናይ ምክፍፋል ኣጀንዳታት እንተስርፅ ከምዝፀንሐ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ብጣዕሚ ብዙሕ ግህሰት መሰል እንትፍፅም ዝፀንሐ ከመዝኾነ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ውድብ ዘለዉ ኣካላት ብውሽጢን ግዳማውን መገዲ ንምቅላስ ኣብ ስራሕ ዝነበረ ማእከላዊ ፌዴራሊዝም ፀገም ዝነበሮ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ካብ ውልቀ ሰብ ክሳብ ክልል ናይ ባዕልኻ ሃፍቲ ባዕልኻ ናይ ምምራሕን በዓል ዋና ክኾኑን ኣለዎም ዝበል መሰል ከግህስ ዝፀንሐን ጣለቃ እንትኣቲ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ዝተሓላለፉ ዝተፈላለዩ ውሳነታት መስ ህዝቢ ዘተ ዘይግበረሎም ክምዝነበረ ዝሓበሩ ኣይተ ኣብዱልጀሊል፥ ብውሑዳት ጥራሕ ዝምርሑ ዝነበሩ ኣካይዳታት ኣብ ሀዝቢ ቅርታን ጎንፅን እንትፈጥሩ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ኣለማየሁ ቱሉ ብግደኦም፥ ህዝቢ ትገራይ ንምዕባለ፣ ዕብየት፣ ሓድነትን ሰላምን መስዋእቲ ዝፈፀመ እኳ እንተኾነ ብምኽኒያት እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ብዝተሓሰበሉ ልክዕ ሸትኡ እንተይወቕዐ ከምዝተረፈ ተዛሪቦም።

እዚ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይውክል ዘርእይ ኢዩ እውን ኢሎም።

እቲ ጉጅለ ን20 ዓማውቲ ንህዝቢ ትግራይ ንዝሓለወ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ነቲ ህዝቢ ከምዘቖጠዖ ብምግላፅ፥ እቲ ህዝቢ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምዃኑ እቲ ጉጅለ ብቐሊሉ ክሰዓር ከምዝገበሮ ገሊፆም።

ሓቢርካ ብምንባር ኢዩ ሃገር ዝህነፅ ብምባል፥ ሓድነት ንምጥንኻር ዘተ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.