Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘይሕጋዊ ዝተትሓዙ ልዕሊ 750 ሽሕ ሊትሮ ዘይቲ ንሕብረተሰብ ከምዝተኸፋፈለ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝተግብረ ስራሕቲ ቁፅፅር ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተትሓዙ ልዕሊ 750 ሽሕ ሊትሮ ንሕበረተሰብ ከምዝተኸፋፈለ ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ፡፡

እቲ ቢሮ ፀገማት ምንካይ ቀረብ ዘይቲን ወሰኽ ዋጋን ብቕልጡፍ  ንምፍታሕ ምስ ዝምከቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ምስራሕ ከምዝርከቡ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ንግዲ ኣደስ ኣበባ ኣይተ ኣደም ኑሪ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝገለፅዎ÷ እቲ ቢሮ ብዝተፋላለዩ እዋናት ብዝተግብረ ስራሕቲ ቁፅፅር ካብ ዘይሕጋዊ ዝተትሓዙ ልዕሊ 750 ሽሕ ሊትሮ ዘይቲ ንትሕበረተሰብ ክከፋፈል ኪኢሉ እዩ፡፡

ዘይሕጋዊ ነጋዶ ዘይቲ ዝተወረሶም እቲ ዕዳጋ ዝደለዮ ብዝድለ ቕልጣፈ ናብ ዕዳጋ ብዘይምቕራቡ ፍርያት እቲ ዘይቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዕዳጋ ምቕራብ እናሃለወ ናብ ዝተፍላለየ ክፋል እታ ሃገር እናፅዓኑ ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ፡፡

ቢሮ ንግዲ ኣዲስ ኣበባ እቲ ዘይቲ ካብ ነጋዶ ብምዉሳዱ ንሸመቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ከምዘተረከበ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ÷ እቲ ዘይቲ ንሕበረተሰብ ብተመጣጠኒ ዋጋ ከምዝተኸፋፈለ ተዛሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.