Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ብቕልጡፍ ንምዝዛም ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንምዝዛም ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ እናተሰርሐ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት ሜጋ ፕሮጀክት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ኢንጅነር ሽመልስ እሸቱ፥ ነዊሕ ዓመታት ዘቑፀረ ቢሮ ምምሕደዳር ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ታሪኻዊ ትሕዝትኡ ሓሊዩ ዘበናዊን ንስራሕ ምቹው ብዝኾነን መልክዑ ስራሕቲ ምሕዳስ እናተገበረሉ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ሓፈሻዊ ከይዲ ህድሳት እቲ ህንፃ 71 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ኣብሪሆም።

ብር 4 ነጥቢ 6 ቢሊየን በጀት ተታሒዙሉ እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት ዜሬ ዜሮ ዓድዋ፥ ታሪኽ ዓድዋ ንምዝካር ብዘኽእል መልክዑ እናተሰርሐ እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጡ ድማ ሙዚየም ዓድዋ፣ ዘበናዊ ቤተ መፃሕፍቲን ማእኸል ምርምር ታሪኽን ከምዝሓውስ ገሊፆም።

ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት 60 ሚኢታዊ ምብፅሑን ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ ዝቕፅል ዓመት ተዛዚሙ ንኣገልግሎት ክፍቲ ከምዝኸውንን ኣብሪሆም።

ፕሮጀክት ኣደባባይ መስቀል ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ምቹው ኮይኑ እናተሰርሐ እንትኸውን፥ ህንፀቱ ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን ኣገልግሎት መሃብ ከምዝጅምር እቶም መካየዲ ስራሕ ሓቢሮም፡፡

ብሓፈሻ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሃነፁ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ኣብ ዝተትሓዘሎም እዋን ንምዝዛም ፍሉይ ትኹረት ብመሃብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.