Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ንልዕሊ 50 ሺሕ ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ን50 ሺሕን 569 ዜጋታት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ቢሮ ልምዓት ስራሕ፣ ኢንተርፕራዝን ኢንዱስትሪን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ኣመራሓታ ዘፈር እቲ ቢሮ፣ ምክትል ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ክፍለ ከተማን ምክትል ፈፀምቲ ስራሕን ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ገምጊሞም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2016 ን50 ሺሕን 569 ደለይቲ ስራሕ ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ምፍጣር ከምዝተኸኣለ ተገሊፁ፡፡

እቲ ገምጋም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዘጋጠሙ ፀገማት ፈሊኻ ብምውፃእ ፅሬትን ፍትሐዊነትን መሰረት ዝገበረ ስራሕ ምስራሕ ከምዘኽእል ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ምስቲ ስራሕ ብቐረባ ክሳብ ወረዳ ብምውራድ ብሓባር ሰሪሕኻ ውፅኢታዊ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ፍትሓዊ ኣወሃህባ መስርሒ ቦታን መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ምዕባይን ከምዝግባእ እውን ተኻቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.