Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት ዝውውር ሽምን ንብረት ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2017(ኤ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ከተማታት ዝርከባ ዝተመረፃ ወረዳታት ንስራሕቲ ምርግጋፅ ትሕዝቶ መሬት ተባሂሉ ንዝቕፅሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝውውር ሽምን ንብረትን ተኣጊዱ።

ኤጄንሲምዝገባን ሓሬታን ትሕዝቶ መሬት እታ ከተማ ንፋና ዲጂታል ከምዝሓበሮ፥ ምስ ትሕዝቶ መሬት

ተተሓሒዞም ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ።

ነዚ ድማ ኣብታ ከተማ ዘበናዊ ኩለመዳይ ህንፀት ስርዓት ካዳስተር ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ስራሕ ከምዝተጀመረ ኣመልኪቱ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሓፈሻዊ ስፍሓት ኣዲስ ኣበባ 54 ሚኢታዊ ዝኸውን ስራሕቲ ምርግጋፅ ትሕዝቶ መሬት ከምዝተሰርሐ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ንመወዳእታ ግዘ ኣብ 136 ቀጠናታት ዝርከቡ ትሕዝቶታት ኣረጋጊፅካ ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ድማ እቲ ስራሕቲ ምርግጋፅ ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተመረፃ ሽዱሽተ ክ/ከተማታት ከምዝውገን ተገሊፁ።

እተን ክፍለ ከተማታት የካ፣ ለሚ ኩራ፣ ኣአቃቂ ቃሊቲ፣ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ፣ ቦሌን ኮልፌ ቀራኒዮ ኢየን።

ንስራሕቲ ምርግጋፅ ትሕዝቶ መሬት ተባሂሉ ድማ ምዝገባ ኣብ ዝካየደለን ክፍለ ከተማታት ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ዝውውር ሽምን ንብረትን ከምዝተኣገደ ተሓቢሩ።

ብመላኩ ገድፍ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.