Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ብሓደጋ ትራፊክ ህይት 6 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ብዘጋጠመ ብሓደጋ ትራፊክ ህይት ሽዱሽተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ትራፊክ ኣብታ ክፍለ ከተማ ወረዳ ሓደ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ኮድ ቁፅሪ 3 A02166 ኣ.ኣ ዝኾነት ሚኒባስ ታክሲ ፍሬን ተበቲኹዋ ብዝበፅሐ ጉድኣት ህጻናት ተምሃሮ ሓዊሱ ሽዱሽተ ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰላምን ፀፅታን ክፍለ ከተማ ጉለሌ ኣይተ ጌታሁን ኣበራ ከምዝገለፁዎ፥ ካብ ቁስቋም – ሺሮ ሜዳ እናተጓዓዘት ዝነበረት ታክሲ ብዝበፅሓ ሓደጋ ምብታኽ ፍሬን 2 ተምሃሮ ሓዊሱ 6 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ፣ ክልተ ሰባት ከቢድን 2 ሰባት ቀሊልን ጉድኣት ኣጋጢሙዎም ኢዩ፡፡

በቲ ሓደጋ ዘበፅሐ መጠን ጉድኣትን መልዐሊ እቲ ሓደጋን ንምፍላጥን ተወሳኺ ምርመራ እናተገበረ ከምዝርከብ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክፍለ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.