ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ጉለሌ ወረዳ ሓደ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ክልተ ሰባት ዝሓለፈ እንትኾን፤ ኣብ ልዕሊ 11 ሰባት ድማ ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል በፂሑ፡፡
እቲ ሓደጋ ትራፊክ ካብ እንጦጦ ናብ ቁስቋም 13 ሰባት ፂዒና እናተጉዓዘት ዝነበረት ንእስ ዝበለት ተሸከርካሪት መመላለሲት ህዝቢ ናብ ዉሽጢ ገደል ብምእታዉ ዘጋጠመ ኢዩ፡፡
ብምኽንጣ እዚ ድማ ህይወት ክልተ ሰባት ዝሓለፈ እንትኾን፤ ኣብ ልዕሊ 11 ሰባት ቀላልን ከባድን ጉድኣት ኣካል ምብፅሑ ካብ ኮሙኒኬሽን ክፍለ ከተማ ጉለሌ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ክፍለ ከተማ ጉለሌ ኣይተ ጌታሁን ኣበራ÷ ነዳሕቲ ብስምዒት ሓላፍነት ፍጥነቶም ቐኒሶም ብምሽክርካር ህይወት ዜጋታትን ንብረትን ካብ ሓደጋ ከትርፉ ይግባእ ኢሎም፡፡