ኣብ ከተማ ባህር ዳር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይት 6 ሰባት ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ባህር ዳር ትማሊ ምሸት ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይት 6 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።
እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰዓት 11፡30 መመላለሲት ህዝቢ መኪና መስመር ብምስሓት ብተፃራሪ ኣንፈት እናተጓዓዘት ምስ ዝነበረት ሲኖ ትራክ መኪና ብምግጫዋ ዘጋጠመ ኢዩ፡፡
በቲ ሓደጋ ክሳብ ሕዚ ሽዱሽተ ሰባት ህይወቶም እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ሓበሬታ ፖሊስ ኣምሓራ የመላኽት፡፡
መበገሲ እቲ ሓደጋ እናተፃረየ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡