Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ባህርዳር ክሳለጥ ዝፀንሐ ክልላዊ ኮንፈረንስ ሰላም ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ክሳለጥ ዝፀንሐ ክልላዊ ኮንፈረንስ ሰላም ተዛዚሙ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ “ሰላም ንኹሉ፣ ኩሉ ንሰላም” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ካብ ኮሎም ዞባታትን ወረዳታትን ዝተውፃእፅኡ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ምሁራን፣ መናእሰይን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባትን ተሳቲፎም።

ኣብቲ ክልል ዝተፈጠረ ኣንፃራዊ ሰላም ናብ ዘላቒ ሰላም ብምምፃእ ሀዝቢ እቲ ክልል ተሳታፊን ተረባሒን ልምዓት ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ኮንፈረንስ ሎሚ መዓልቲ በዓል 10 ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ተዛዚሙ።

እቶም ተሳተፍቲ ኣብ መግለፂ ቅዋሞም፥  ተዓጢቖም ዝቃለሱ ሓይሊታት ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ክበሃል ምስ ህዝቦም ተስማዕሚዖም ናብ ሰላማዊ ዘተን ድርድርን ንክመፅኡ ሓቲቶም።

ዘላቒ ሰላም ንምንጋስን ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ካብ መሰረቱ ንምልዋጥን ኩሎም ክፋላት ማሕበረሰብ ብቕንዕና መትሕብባር ንክገብሩ ሓቲቶም።

ብደሳለኝ ቢራራ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.