ኣብ ከተማ ቡታጅራ፣ ወረዳታት መስቃንን ማረቆን ዝርከባ ጣቢያታት መረፃ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ይሳለጥ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ሰነ፣ 2013 ፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ንዝካየደ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ከተማ ቡታጅራ፣ ወረዳታት መስቃንን ማረቆን ዝርከባ ጣቢያታት መረፃ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ይሳለጥ ኣሎ።
ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ክልላት መረፃ መስቃን ማረቆን 87 ጣቢያታት መረፃ ዝርከባ እንትኾና፥ ካብ ሞንጋ እዚኣተን እተን 27 ጣቢያታት ኣብ ከተማ ቡታጅራ ዝርከባ ኢየን።
ኣብተን ጣቢያታት መረፃ ድማ 21 ሺሕን 333 መረፅቲ ካርድ መረፃ ከምዝወሰዱ መተሓባበሪ እቲ ክልል መረፃ ኣይተ ብሩክ ነስሩ ተዛሪቦም፡፡
ኣዛዚ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ ቡታጅራ ዋና ሳጅን ሙስጠፋ በድሩ ብግደኦም፥ ናውቲ መረፃ ነናብ ዝመደቡሉ ጣቢያ መረፃ ንኽፅሑን ድሕንነት መረፅቲ ንምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ምድላው ከምዝተገበረን ኣረጋጊፆም፡፡
ብኬነሳ ኣመንቴ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።