Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ቡራዩ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብር 10 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ንብረት ከምዝዓነወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ቡራዩ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ብር 10 ሚሊየን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ንብረት ከምዝዓነወ ተገሊፁ።

ትማሊ ቀትሪ ከባቢ ሰዓት ሸሞንተ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝዓነወ ንብረት ከምዝኾነ፥ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓደጋ ኣብ ከተማ ቡራዩ ቀበሌ ገፈርሳ ኖኖ ፍሉይ ሽሙ ገብርኤል ዝበሃል ከባቢ ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ኣብ ልዕሊ 16 ዱኳናት፣ 3 መንበሪ ኣባይቲን 3 ባርን ሬስቶራንታትን ተቓፂሎም።

መራሒ ጉጅለ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጉልላት ጌታነህ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ በቲ ሓደጋ ብር 10 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ዓኒዩ ኢዩ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዘየጋጠመ ዝሓበሩ እቶም መራሒ ጉጅለ፥ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምቁፅፃር ልዕሊ ሓደ ሰዓትን ፈረቓን ከምዝወሰደ ኣብሪሆም።

መልዐሊ እቲ ሓደጋ እናፀፃረየ ከምዝኾነን ሕብረተሰብ ንሓደጋ ባርዕ ሓዊ መበገሲ ካብ ዝኾኑ ተቐፃፀልቲ ነገራት ክከላኸል ከምዝግባእን ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.