Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ትማሊ ምሸት ከባቢ ሰዓት 5 ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ።

ሓላፊ ዘፈር ቁፅፅር ትራፊክ መምህርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማነድር ዑመር ከራሞ ንጣቢያና ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ክልተ ናይ ፅዕነት መኻይን ዕንፀይቲ ፅዒነን ብኽልተ ኣንት ናብ ኣደባባይ እንትጓዓዛ ብምግጫወን ኢዩ።

በቲ ሓደጋ ኣብተን መኻይን ዝነበሩ 5 ሰባት ዝሞቱ እንትኾኑ፥ ክልቲአን መኻይን ልዑል ሓደጋ ኣጋጢሙወን።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ልዑል ዘይሕጋዊ ዝውውር ዕንጨይቲ ከምዘሎ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ጥራሕ 132 ሰባት ቅፅዓት ከምዝተወሰነሎም ካብ በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ፣ ደኒን ለውጢ ንብረት ኣየርን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብጌታቸዉ ሙለታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.