Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ባንኪ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ግልጋሎት ባንኪ ምሃብ ተጀሚሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ብዝነበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተቛሪፁ ዝነበረ ግልጋሎት ባንኪ ኣብ ከተማ መቐለ ከምዝተጀመረ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሴ ኣፍሊጦም።

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብዚ ሰሙን ምስ ነበርቲ እታ ከተማ ኣብ ዘካየዶ ተኸታታሊ ዘተ ዝተልዓለ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ስራሕ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ግልጋሎት ባንኪ ምሃብ ከምዝተጀመረ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ዓማዊል ምጥቃም ከምዝጀመሩ ተፈሊጡ፡፡

ናይ ውልቀ ባንኪታት እውን ኣገልግሎት ምሃብ ንኽምራ ትእዛዝ ከምዝተመሓላለፈለን እቶም ከንቲባ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.