ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ጥራሕ 1088 ገበናት ከምዝተፈፀሙ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ፀጥታን ፎሮም ማሕበረሰብን ከተማ መቐለን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን፥ ብዛዕባ ኣብ ከተማ መቐለ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ የሳልጡ ኣለዉ።
ኣብቲ መድረኽ፥ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፉ 3 ኣዋርሕ ጥራሕ 1088 ገበናት ከምዝተፈፀሙ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ።
ኣብቶም ኣዋርሕ ዝተፈፀሙ ገበናትን ዝተወሰዱ ስጉምትታትን እንታይ ይመስሉ ዝብሉ ብቤት ፅሕፈት ፖሊስ ከተማ መቐለ ፀብፃብ ቀሪቡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም፥ ካብቶም ዝተፈፀሙ ገበናት 16 ገበን ቅትለት፣ 47 ፈተነ ቅትለት፣ 16 ዓመፅ ደቂ ኣነስትዮ ከምዝርከብዎም ኣብቲ ዝቐረበ ፀብፃብተሓቢሩ።
ኣብዚ ርብዒ በጀት ዓመት ዝተርኣዩ ስውር ገበን ፣ ክትራን ፣ ቅትለት፣ ዓመፅ ወዘተ ኣብ ቀፃሊ ንምንካይን ገበነኛታት ኣብ ቀይዲ ክውዕሉን ኩሉ ሕብረተሰብ፣ ሓይልታት ፀጥታ ሓገዝቲ ንክኾኑ ፃውዒት ቀሪቡ።