Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ን829 መናእሰይ መጣሻ መሬት ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ን829 መናእሰይ መጣሻ መሬት ተዋሂቡ።

ካብቶም 829 እቶም 337 ብትሑት መሃያ ዝመሓደሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት  ምውፃእ ዕፃ ዝተረኸቡ ኣማሓዳሪ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣይተ ሓለፎም ገ/ሂወት፥ እቲ ሕቶ መሬት 2011 ዓ/ም ጀሚሩ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ምምሕዳር መቐለን ክልላዊ መንግስትን ንክወሃብ ብምውሳኑ፥ ሎሚ ስነ ስርዓት  ምውፃእ ዕፃ ምክያዱ ፅቡቕ ኢዩ ኢሎም።

መናእሰይ ብትዕግስቲን ብስርዓትን ኮሜቴ ኣጣይሾም ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ አመስጊኖም።

ወሃብቲ ርእይቶ  መናእሰይ ብግደኦም፥ መንግስቲ ብእዋኑ ሕቶ መናእሰይ እናዳመፀ ምስ ህዝቢ እናተዛተየ መፍትሕታት ኣብ ምንዳይ ክቕፅለሉ ተላቢዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.