Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 294 ሚልየን ብር መደብ ልምዓታዊ ሰፍትነት ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ብልዕሊ 294 ሚልየን ብር  መደብ ልምዓታዊ ሰፍትነት ከም ዝተጀመረ ተገሊፁ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ን68 ሺሕን 855 ተመዛበልቲ ወገናት ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሓገዝ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኡን ዝርከቡ 68 ሺሕን 855 ተመዛበልቲ ወገናት ተረባሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንሓሙሽተ ኣዋረሕ ከም ዝፀንሕ ሚኒስትር ድኤታ ሚኒስቴር ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ወ/ሮ ሑርያ ዓሊ ገሊፀን።

ምብሳር እዚ መደብ መሰረት ብምግባር ሎሚ 7 ለካቲት 2016 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ስልጠና እናተዉሃበ ይርከብ።

እዚ መድረኽ ብምትሕብባር ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን፣ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን፣ ቢሮ ማህበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን ክልል ትግራይ፣ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ዝተዳለወ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ፥ ላዕለዎት ኣመራርሓ ስራሕ መንግስቲ ፌደራል፣ ክልልን ከተማ መቐለን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ተመዛበልቲ ማሕበረሰብ ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.