Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከተማ ላሊበላ ዘተ ሰላም ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ላሊበላ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ሰላም ንምዕሳል ዝዓለመ ዘተ ሰላም ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎን ላዕለዋይ ሓላዊ ደብረ ሮሃ ቅዱስ ላሊበላ ብፁእ እቡነ ኤርሚያስ፣ ሓላፊ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ኣምሓራ መንገሻ ፈንታው (ዶ/ር)፣ ምክትል ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሜጄር ጄኔራል ሻምበል ፈረደ ተረኺቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜን ወሎ ኣራጌ ይመር ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲን ነበርቲ እታ ከተማን ከምዝተረኸቡ ኣሚኮ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.