Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዘዝሳለጡ ሃወኽቲ ተግባራት ንምክልኻል ብዕቱብ ከምዝስራሕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓዱሽ ዘበነ ትምህርቲ ኣብ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዝሳለጡ ሃወኽቲ ተግባራት ብምክልኻል ብስነ-ምግባር ዝተሃነፀ ወለዶ ንምፍራይ ብዕቱብ ከምዝስራሕ ቢሮ ትምህርቲ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ዘላለም ሙላቱ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ዘበነ ትምህርቲ ካብ ምምሃር ምስትምሃር ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ኣብያተ ትምህርቲ ትኹረት ዝገበሩ ተግባራት ክሳለጡ ኢዮም፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ከባቢኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝህዉኹ፣ እንዳመስተን መሰል ትካላትን ፅዕንቶኦም ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ኣብቲ ሓዱሽ ዘበነ ትምህርቲ ኣብ ስነ-ምግባርን ትምህርቲ ዜግነትን ከምኡ እውን ንስልጠና ስራሕን ክእለትን ኣድህቦ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ኣብሪሆም፡፡

ሰናይ ስብእና ዘለዎም ዜጋታት ንምፍራይ÷ ተሳትፎን ሓገዝን ወለዲ፣ ትካላት ትምህርቲ፣ መምህራንን ካልኦት ኣካላትን ወሳኒ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.