Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ንምስታፍ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጃፓን ዝካየድ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ንምስታፍ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላው ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

እቲ ምድላው ኣመልኪቱ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዶክተር አሸብር ወ/ጊዮርጊስን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር አትሌት ደራርቱ ቱሉን ሓበራዊ መግለፂ ሂቦም።

ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ብምኽንያት ዓለም ለኻዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ንሓደ ዓመት ከምዝተናውሐ ይፍለጥ።

ውድድሩ በፈረንጆቹ ከሀምሌ 23 እስከ ነሀሴ 8 ቀን 2021 የሚካሄድ ሲሆን ከ206 ሀገራት የተውጣጡ ከ11 ሺህ በላይ ስፖርተኞች ይሳተፋበታል ተብሎ እንደሚጠበቅ ተገልጿል

እቲ ውድድር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ዝካየድ እንትኸውን፥ ካብ 206 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ልዕሊ 11 ሺሕ ስፖርተኛታት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ውድድር ንምስታፍን ዝሐሸ ውፅኢት ንምምዝጋብን ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ምድላው ከምዝተገበረ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ዶክተር አሸብር ወ/ጊዮርጊስ ገሊፆም።

እዚ ንምዕዋት ኣትሌታት ልዕሊ 8 ኣዋርሕ ኣብ ሆቴል ኮይኖም ምድላው እናገበሩ ከምዝፀንሑ ተኣሪቦም።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር፥ ብኣትሌቲክስ፣ ወርልድ ቴኳዶ፣ ብብሽክልታን ሓመሳን ከምትሳተፍ ካብ ኮሚሽን ስፖርት ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.