Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋን በዓል ምቁርራፅ ሓይሊ ንምፍታሕ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይሳለጡ ኣለዉ – ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓላት ትንሳዔን ዒድ-ኣልፈጥርን ምቅራቦም ስዒቡ ክህሉ ዝኽእል ፀገም ምቁርራፅን ምትሓትን ሓይሊ ንምፍታሕ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ትካል ከምዝሓሮ፥ ኣብ ድሮን ዕለትን እቶም በዓላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንተይተቛረፀን እንተይተሓተን ሓይሊ ንምቕራብ ቅድመ ምክልኻል እናተሰርሑ ይርከቡ፡፡

እቲ ፀገም እንተኣጋጢሙ ድማ ምላሽ ንመሃብ ዘኽእል ህፁፅ ግብረ ሓይሊ ፅገና ተጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ እውን ገሊፁ።

ተመሳሰልቲ ምድላዋት ይገበሩ እምበር ኣብ ዝቕፅል በዓል ትንሳኤ ሕዚ እውን ምቁርራፅ ክፍጠር ስለዝኽእል፥ ካብ ፋብሪካታት ሲሚንቶን ናብ ወፃኢ ዝልእኹ ኢንዱስትሪታትን ወፃእ ኩሎም ኢንዱስትሪታት ኣብ ድሮ እቲ በዓል ምሸት 12 ሰዓት ጀሚሮም ክሳብ ዕለት እቲ በዓል ሰዓት 6 ካብ ዋና ፍልፍል ሓይሊ (ግሪድ) ዝረኽቡዎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሙሉእ ብሙሉእ ብዘይምጥቃም ዝተለመደ ምትሕብባሮም ንኽገብሩ እቲ ትካል ሓቲቱ።

ዓማዊል ኣብ ውሽጢ ገዛ ዝጥቀሙሉሎም ናውቲታት ኤሌክትሪክ ሓይሊ ዝዓቑሩ ንኽኾኑ፤ እንትጥቀሙ ድማ ንሓደጋ ብዘየቃልዐ መልክዑ ንኽኸውን ምግንዛቡ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.