Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ዝተውሃበ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ኣገልግሎት፥ ኣብ መንጎ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምፍልላይ ብሰለማዊ መገዲ ብዘተን ውሽጣዊ ኣሰራርሓን ንክፍታሕ መንግስቲ ቅዋም ምሓዙ ኣዘኻኺሩ።

ነዚ እውን ዓበይቲ ዓዲን ዝምልከቶምን ዝከኣሎም ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ገሊፁ።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ መንግስታዊ ሃይማኖት ይኹን ሃይማኖታዊ መንግስቲ ክህሉ ከምዘይፍቀድ ብምግላፅ፥ ኣብ መንጎ እቶም ኣቦታት ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብውሽጣዊ ኣሰራርሓ ቤተክርስቲያን ኢሉ እውን ብፍታብሄር ዳይነት ዝርአ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ስለዝኾነ ኣፈፃሚ ኣካል ብቤት ፍርዲ እንትውሰን ጥራሕ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር እቲ ኣጋጣሚ ንእኩይ ተግባር ንምጥቃም ዝንቀሳቀሱ ኣካላት ምህላዎም ከምዝተረጋገፀ ብምግላፅ፥ እቶም ኣካላት “ናይ መስዋእትነት ሰልፊ ኣዳሉ” ብዝብል ምስ ሰብ ሃፍቲ፣ ፖለቲከኛታትን “ኣወዳድባ መንፈሳዊ መናእሰይን” ዝተውፃእፀአ ጉጅለ ካብ ማእኸል ክሳብ ታሕቲ ከምዝተወደበ መንግስቲ ፈሊጡ ኣሎ ኢሉ።

እቲ ጉጅለ ብዕጥቂ ብዝተደገፈ ህውከት መንግስቲ ናይ ምንቕናቕ ድልየት ዘለዎ ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ መናእሰይ እናመልመለ ምውፋር ከምዝጀመረ፣ ንመፈፀሚ ዕላምኡ ዝኸውን ገንዘብ ብምእካብ ይውዝዕ ከምዘሎን ብዘይሕጋዊ መገዲ ምስ ዝተዓጠቑ ሓይሊታት ርክብ ይፈጥር ከምዘሎን መነገስቲ ምርግጋፁ ኣብሪሁ።

ነዚ ንምፍፃም ኣቐዲሙ ዘዳለዎ ጉጅለ ሚዲያ ስርሑ ከምዝጀመረ እውን ሓቢሩ።

ኣብ ከይዲ ክትትል ድምፂ ዘለዎምን ድምፂ ኣልባን መሳርሒታት ብምሓዝ ህውከት ዝፈጥሩ ኣካላት ምትሓዞም፣ ደወል ቤተ ክርስቲያን ንዘይግቡእ ዕላማ ብምጥቃም ህዝቢ ንናዕቢ ዘቃልዑ ጉጅለታት ምርኣዮም፣ ዕላማ ፖለቲከኦም ብሽፋን ሃይማኖት ንምፍፃም ዝፍትኑ ሓይሊታት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣፍሊጡ።

ብሓፈሻ ዝተፈጠረ ፀገም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ እቲ ፀገም ንመፈፀሚ ዕላማ ፖለቲካ ብምግባር ናብ ምጥቃም ምስግጋሩ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣረዲኡ።

እዚ ድማ ሰላም፣ ድሕንነትን ልምዓትን ሃገር ዝጎድእ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ተግባር ኮነ ኢሎም ዝተዋፈሩ ኣብ ቁፅፅር ናይ ምውዓል ተግባር ከመዝተጀመረን ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ኣብሪሁ።

መላእ ህዝቢ ብኣካላት ፀፅታ ብምትሕብባር ከባቢኡን ሰላሚን ንክሕሊ መንግስቲ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.