Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣረኣእያ ምዕራብያውያን ዝተዛበዐ ኢዩ – ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጄራልድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፂ ንኽናዋሕ ኣረኣእያን ምላሽን ምዕራባውያን ሚዛናዊ ዘይምዃ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጄራልድ ገሊፀን፡፡

ዳይሬክተር ቤት ትምህርቲ ዓለም ለኸ ጉዳያት ካናዳ ዝኾነ ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጄራልድ÷ ብኣሰናዳእነት ዩኒቨርሲቲ ጅማ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ማሕበረሰብ ተሳቲፈን፡፡

ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጄራልድ÷ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ብዘሎ ኲናት ምዕራባውያን ሚዛናዊ ዘይኮኑን ዘየድልዩ ኢድ ኣእታውነትን ከምዝነበሮም ገሊፀን፡፡

ምዕራባውያን ሰሜናዊ ክፈላ ኢትዮጵያ ናይ ምክፍፋል ዝንባለ ከምዝነበሮምን ኣብ እዋን ኲናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ንዝበሩ ተጎዳእቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ዘዕግብ ትኹርት ከምዘይገበሩን ኣብሪሀን፡፡

እተን ፕሮፌሰር ድሕሪ እቲ ኲናት ኣብ ከይዲ ዘላቒ ሰላም ምህናፅ ከምዝግባእ ኣገንዚበን፡፡

ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዳያስፖራን ብሓሳብ እንተይተኸፋፈለ ሐደ ኮይኑ ጠጠው ብምባል ፅዕንቶ ምዕራባውያን ክፃወር ከምዝኀኣለ እውን ፕሮፌሰር ኣን ፊትዝ ጄራልድ ተዛሪበን፡፡

መላእ ህዝቢ ትግራይ ደጋፊ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘይኮነን በቲ ኲናት ተጎዳእቲ ከምዝኾኑን በመፅናዕቲ ኣደጊፈን እቲ ሓቂ ኣቕሪበን።

ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ሓድነትን ከምኡ እውን ፖለቲካዊ ለውጢን ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ንኽበፅሖ ዝደሊ ኢሉ እውን ንሃገራዊ ሓድነት ቆራፅ ድሌት ዘለዎ ከምዝኾነ ኣብቲ ህዝባዊ መድረኽ ገሊፀን፡፡

ብተመስገን ኣለባቸውን ሙክታር ጣሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.