ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ካብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ዝተውሃበ መግለፂ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ ኤፍ ቢ ሲ(2014 ዓ.ም)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።
እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት መንግስቲን ህዝቢን ኣምሓራ ናይ ባዕሉ ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ተጠቒሙ ናይ ባዕሉ ምዕባለ ዘረጋግፀሉ ዕድል ንምጭንጋፍ ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ኢዩ ኢሉ።
ፅግዕተኛን ብተዘዋዋሪ መገዲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከብ ህዝቢ ኣምሓራ ዝተፀንዐ፣ ተኸታታልነት ዘለዎ፣ ኣሰቃቒን ዘርኢ ተኮርን መጥቃዕቲ፣ መቕተልቲን ምምዝባልን ንክበፅሖ ብምግባር ንኣምሓረራማሕበራዊ ዕረፍቲ ብምስኣን ስልቲ ከምዝጥቀም እውን ሓቢሩ።
ካብዚ ሓሊፉ ልእላውነት ኢትዮጵያ ናብ ሓደጋ ዘውድቕ ኣብ እዚ ሰሜን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር መጥቃዕቲ ብምፍፃም፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምሓራ እውን ወረራ ከምዝፈፀመ ገሊፁ።
በዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታትን ትካላትን ከምዘዕነወ ሓቢሩ።
ሐዚ ድማ ዝተኸፈተ ኣማራፂ ሰላም ብምሕሳም ኣብ ኣዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ኲናት ከምዝኸፈተን ወረራ ከምዝፈፀመን እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።
ስለዝኾነ መላእ ደላዪ ሰላምን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ከውግዙን ንዝፈፀሞ ገበን ተሓታቲ ክገብሩን ይግባእ ኢሉ።
መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኩሎም ዓይነታት ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ንክፍትሑ ዘለዎ ፅኑ” እምነት ገሊፁ።
ይኹን እንበር ብምኽኒያት እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣማራፅታት ሰላም ከምዝተዓፀዉ ብምግላፅ፥ ድሕንነት ህዝቢ ኣምሓራ ንምሕላው ግዴትኡ ከምዝዋፃእ ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነ ነቲ ወራር ንምምካት ኣድላዪ ምድላው ይገብር ከምዘሎ ብምሕባር፥ መላእ ህዝቢ ኣምሓራ ዝቐርበሉ ፃውዒት ብንቕሓት ንክፅበን ግቡእ ምድላው ንክገብርን ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።