Fana: At a Speed of Life!

ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ኣድሂቡ ምስ መተሓባበርቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ደ,ጉዳያት ወፃኢን ዳይሬክተር ጀነራል ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ መተሓባበርቲ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ተዛቲዮም።

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሃገር ኣድሂቡ ዝተሳለጠ እቲ ዘተ፥ ምስቲ መተሓባበርቲ እቲ ጉጅለ ሓቢርካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ዘድሃበ ኢዩ።

ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፥ ኣብ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተታሓሒዙ መንግስቲ እናሰርሖም ዝርከቡ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓሳት ዝምልከት ገለፃ ገይሮም።

በቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሃገራዊ ኩነታት ኣብ መሬት ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ማሕበረሰብ ዓለም ክግንዘቦ ንምግባርን ንጎረባብቲ ሃገራት ንምርዳእን፥ ጉጅለ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ልዑል ግደ ስለዘለዎም እዚ ተግባራዊ ኣብ ምግባር እቲ ጉጅለ ምንቅስቓስ ንኽገብር ሓቲቶም።

ብወገን መንግስቲ ኣብቲ ኩነታት ዘሎ ሓበሬታ ነቲ ጉጅለ ሓበሬታ ኣብ መሃብን ምትሕብባር ኣብ ምግባርን ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ጉጅለ መተሓባበሪ ፐብሊክ ዲፕሎማሲ ብግደኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ኩሎም ኣካላትን ፈተውቲ ሃገር ዜጋታት ተሓባቢሮም ዝተፈጠረ ኩነታት ኣብ ምርግጋዕ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ጉዳይ ሓበሬታ ብመሃብ ምሕጋዝን ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ብዝተሳለጠ መገዲ ክቕፅል ንምግባር ዘድሊየሉ እዋን ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ጉጅለ ኩነታትን እዋን ዝፈቕዶ ናይ ባዕሎም ግደ ንምውፃእ ከምዝሰርሕ ቃል ዝኣተወ እንትኸውን፥ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣድላዪ ዘበለ ምትሕብባር ንኽገብረሎም እውን ሓቲቶም።

ብወገን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እቲ ስራሕ ንምትሕብባር ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ንምግባር ከምዝሰርሕ ቃል ምእታዎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቓል ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.